ERI 61-91 TV

እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ ናይ ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቁበል ዝኾነሉ

 እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ ናይ ዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቁበል ዝኾነሉ

ኣጋጣሚ ናይ ሎሚ ጽሑፍይ ነቶም ኣብ 1945 ዝወደቁ ስማእታት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ ቅነ እዩ። ካልኣይ ኩናት ዓለም ብምምራኽ ናይ ጃፓን ካብ ዝዛዘም እንሆ ሎሚ ጽንብል ዝኽሪ መበል 75 ዓመት VJ በተን ኣብኡ እተሳተፋ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ህልው ኩነታት ኮቪድ 19 ብድምቀት ተዘኪሩ። እዞም ለባማት ናይ ሎሚ ወለዶ መራሕቲ ጃፓን ዘለዉ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ተማሂሮም ድሕሪ ሕጅ ኩናት ፍጹም ክድገም የቡሉን እናበሉ ንሰማእታቶም ንምዝካር ኣብ ሃወልቶም ዕንባባታት ኣቀሚጦም። እተን ኣብዚ ኩናት ዝተሳተፋ ሃገራት ኣሻሓት ማይል ርሕቀት ከይደን ንዝኸፈልኦም ሰማእታተን ዝዝከረሉ ግዜ እዩ። ኣብ ሃገርና ድማ ኣብ ድሮ ወርሒ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና መበል 59 ዓመት ንርከብ ኣሎና። እዚ እከይ መሰታ ሞት ዝኾነ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያሰን መሻርኽቱ “ዓርኪ ሰባር ነቃዕ” ዝኾነ ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ ኣሕመድን እንታይ ኢሎምን ገይሮምን ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ማለት “ኣይከሰርና ኩሉ ንብረታና ኣምሊስና ኢና” ይብለ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ። “ን 30 ዓመት እተገብረ ናይ ኤርትራ ጦርነት ክሳራ እዩ ነይሩ።” ይብል ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ  ብፍቃድና ብሰባርን ነቃዕን ክንምራሕ ስለ ዘፍቀድና እዩ። እሞ ድኣ ሃገር ክመርሕ ዘፍቀድናሉ መራሒ ስርዓት ሃገርና ከምዚ ካብ በለን ገበረን፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ገለ ውሑድ ሓድሽ ወለዶ ንህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ሰማእታትና ሸፋቱ እዮም ዝብሉ ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ መስመሩ ዝሰሓተ ኳ እንተኾነ፡  ዘደንጹ ኣይኮነን፤ እናበልኩ ናብ ዋና ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክኣቱ። 

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘይተነገረ እንበር ዘይተገበረ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ የሎን ። እዚ ማለት ግን ነቶም ዕላማ ኣልቦ ባህሪ ናይ ሰብ ዘይርከቦም ስቃይ ህዝቦምን ሃገሮም ዘይርድኦም ገለ ውሑዳት ኣብ ደገ ሰፊሮም ዘይኩርምቶም ሑጻ ዝቁርጡሙሉ ገዲፍካ እዩ። ሎሚ ብሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝምራሕ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዘወርዶ ዘሎ ግፍዒ መዐየሪ የብሉን። እዚ እከይ መሰታ ሕልፈት ሞት ተግባሩ ድማ ካባና ሓሊፍ ኣብ ጎራባብትና ከይተረፈ እዩ ዝሕመየሉ ዘሎ። ስለዚ እዩ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ናብ ፈቖድኡ ንስደድን ንጠፍእን ዘለና። ክንደይ ክንብሎ ግዳይ ኮይኑ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና፧ መርኣያ ናይ ዚ ድማ ኣብ መርበብ መራኸቢ ቡዙሃን facebook ዝልጠፍ ዝኽበርኩም ኣሕዋተይ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ወደይ እከለ ዝተባህለ ወይ ጓለይ እከሊት እተባህለት በዚ ዕለት ካብ ገዛ ምስ ወጸ ወይ ምስ ወጸት ኣይተመልሰን ኣይተመለሰትን። ካብ ዚ ሓሊፉ ድማ ናይ መጨረሻ ኣብ ሊብያ ወይ ጥልያን ተራእዩ ነይሩ ድሕሪኡ ግን ድሃይ ስለዝጠፍኣና በጃኹም ንድሃይ ወደይ ወይ ጓለይ ንምርካብ በዚ ቁጽሪ ተሌፍን 0031 0044 0049 00291 ተሓባብሩኒ ዝብል ሕልናኻ ዝጎድእ ተንብብ። እዝስ እንታይ ኣምጽኦ፧    

ምረት ቃልሲ ሃገርና ካብ ቃዳማዩ ዳሕራዋዩ እሞ ኽኣ ኣብ ውጺኢቱ ገዲዱ ከም ዘሎ ዘታሓትት ኣይኮነን። ኣርእስቲ ጽሕፈይ ከም ዝሕብሮ ን መስዋእቲ ተጋዳሊት ሂወት ተሓቲተሉ መልሲ ሲኢነሉ ርእሰይ ኣድኒነ ክብል ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሓደ ጹሑፈ ጠቂሰ ነይረ። መልሲ ዝሳኣንኩሉ ሕቶ በይነይ ዝሕተተሉ ’ን ኣይኮንኩን። እቶም መታሓትተይ ከ መን ድኣሎም፧ እታ ሜዳ ወሪዳ ዘይተመልሰት ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ኪዳነ ደበሳይ መን እያ?

ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ካብ ኣቦኣ ነፍስሄር ኪዳነ ደበሳይን ኣዲኣ ወይዘሮ ኣምለሰት ቦኽረድንግል ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዳ። ትውልዲ መቦቆል ዓዳ ድማ ዓዲ ንፋስ ወረዳ ሮብራ እዩ። ናይ ፈለማ ውላዶም ብምንባራ ሓጎስ ዝዓሰላ ቤት እንዳ ኣቦይ ኪዳነ ደበሳይ ሓድሽ ሂወት ተረኺባ ኢሎም ንቦኽሪ ውላዶም ሂወት ክብሉ ሰመዩዋ። ሂወት ሓንቂቃ ዓብያ ዕድምኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርታ ብጸብለልት ኣብ ኣስመራ ተኸታቲላ። ሂወት ግን ከም ስማ ሂወት ክንዮ ናይ ወለዳ ናይ ህዝባን ሃገራን ሂወት ምዃን እዩ ዝነበረ ምርጫኣ። በዚ መሰረት ድማ ከም ኩሎም ሓላፍነታውያን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ለካቲት 1975 ካብ ኣስመራ ናብ ሜዳ ናብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፋ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ንሳ እተሰለፈቶ ውድብ ከም ዛዛሚ ባዕዳዊ መግዛእትን ሃንዳሲ ናጽነትን ኤርትራ ኮይኑ ኣስመራ ዝኣተወ ውድብ ህባዊ ግንባር ኣባሉ እዩ። እዚ ውድብ ንናጽነት 65 ሽሕ ከም ዝተሰውኡ ኣብ 1991 ገሊጹ። ምስክር ናይ ሓርበኛ ንወለዶም እተሰለፍሉን እተስውእሉን ዕለትን ቦታን ዝነበርዎ ኣሃድኦምን ትውልዲ ዓዶምን ዝገልጽ ሰነድ ዓዲሉ። እዚ ዝረኸባ ስድራ ቤታትና ድማ ኣብ ነውሰከፍ መናድቕ ገዛውተን ሰቒለናኦ ይርከባ። እዚ ማለት ግን ናይ ገለ መስውእቲ ብዕላማ ተጎስዩ ብምንባሩ ኣብ ወለድና ከቢድ ሃስያ ኣሕዲርሎም ኣሎ። ነዚ ኣመልኪተ ገለ ካብተን ቀዳሞት ግዳይ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ “ድሃብን ኣበራሽን ኣብ ልብና እዩ ሰፈርን ክብል” ንኣብነት ዝኣክል ጽሒፈ ነይረ እየ። ሎሚ ድማ መቐጸልታ ናቱ ኮይኑ ሰነድ መስዋእቲ እተነፍጋ ካብ ቡዙሓት ሓንቲ ካብኣቶም ሕቶ ናይ ስውእቲ ሂወት ኪዳነ ደበሳይ እዩ። እዞም ግዳይ ናይቲ ቄናን መሪሕነት ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝኾኑ ጀጋኑ ስውኣትና ካብ ኦም ሓሊፉ ኣብ ወለዶም ውን በጺሑ ንረኽቦ። ሓደ ካብኦም ወላዲ ንስውእቲ ሂወት ዝኾኑ ነፍስሄር ኣቶ ኪዳነ ደባሳይ እዩም። እዛ መስዋእቲ ሂወት ካብ ንሃገር ሓሊፋ እንታይ ድኣ ረኸባ፧ እናበሉ ምስ ጉሁይ ልቦም ድሃይ ናጽነት እንበር ዋጋ ናጽነት ዝኾነት ሂወት ቦኽሪ ጓሎም ድሃይ ከይረኽቡ ናብ ዓዲ እዝጊሄሮም ግዒዞም። እሞ ድኣ ሎሚ መን እዩ ዘይከሰረ፧  

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበራ ውድባት ካብ ሰውራታት ዓለም ፍሉያት ኮይኑ ውሃ ዘበለ ኣታሕዛ መዝገብ ስውኣት ክነብረን ዝጽበ ከም ዘየሎ ይርድኣኒ እዩ። ናይ ሕጂ መዛረብየይ ብፍላይ ኣጋጣሚ ኾይኑ እቲ ኣነ ዝነበርክዎ ውድብ እዩ። እቲ ዝነበሮ ኣታሓሕዛ መዝገብ ስውኣትና ምስ ኩሉ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝንኣድ እዩ ነይሩ እንተበልኩ ኣይተጋነነን። እንተኾነ ግን መዝገብ ስውኣትና ንገለ ስዉኣት ብዕላማ ጸይኑዎም እዩ።

ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ነታ ካብ ቦኽሪ ገዛ ክሳብ ሕሳስ ልደ ዝተኾፈለት ስድራ ቤትን እታ  ዕድመ ንእስነታ ንኣማኒኣ ክትጽበ ግዜኣ ዘዕረበቶ መርዓትን ኣይከሰራን ኢሉወን። እታ ዝዘኽተሙ ቆልዑት ክተዐቢ እተፈርደት ኣደ ንኽብሪ መስል ህዝብናን ልእላውነት ሃገርና እንበር ንዘውዲ ሃጽይ ልጅ ኢሰያስ ኣይኮነን ዋጋ ከፊላ። ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታትና ግን፡ ኣይተ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዘውዲ ሃጸይነቱ ዝጨበጥ ኮይኑ ስለዝተሰመዖ “ኣይከሰርናን ንብረትና ብምልኡ መሊስና ኢና”። ክብል ነታ ኣብ ሙሉእ ሃገር ንዝኽሪ ህዝብን ሃገርን እተሰውአት ኣሚናን ውላዳን ንምዝካር ሽምዓ እናብርህት እንከላ ናይ ክድዓት ደወል መልእኽቲ ካብ 1ይ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ሰሚዓ።

ጓሂ ወለዲ ስድራቤት ስውኣትና ግን ካብ ቃዳማዩ ዳሕራዋዩ ገዲዱ። ኣብነት ሓንቲ ካብ ዚኣቶም ወላዲት ስውእቲ ሂወት ዝኾና ኣደ እየን። ኣደይ ኣምለስት ቦኸረድንግል እንታይ ኮን ተሰሚዑወን ይኽውን፧ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት “ኣንታ ወደይ  እቲ በረኻታት ሳሕል ከመይ ድዩ ነገሩ ናይዛ ጓለይ መስዋእቲ ዘይቅበል ዝኾነሉ፧” ተባሂለ ተሓቲተሉ። እዚ ሕቶ ግን በይነይ ዝሕተተሉ ኣይኮንኩን እንታይ ድኣ፧ እታ ስውእቲ ተጋዳሊት ሂወት ኪዳነ እተሰለፈትሉ ኣባል ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነብረ ተጋዳላይ ኩሉ ዝሕተተሉ እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስውእቲ ሂወት ኪዳነ ዝርኣየ ወይ ኣብ ኣሃዱና ነይራ ክሳብ እዚ ግዜ ዝብለና እንተሎ ዓይኑ ይብራህ ኢላ ትጽውዕ ዝኽሰረት ኣደን ስድራ ቤትን ኣላ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ እዚ ጽሑፈይ ዝጠቐስኩዎ ሓለፍነታውያን ሓድሽ ወለዶ መሪሕነትን ጃፓን ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ኩናት ፍጹም ከይድገም ዝበልዎ ንዓና ይምልከተና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን መሪሕነት ሃጸይ ልጅ ኢሳያስን ብዶብ ኣመሳሚሱ ደቅና ኣህሊቑ። ንሱ ከይኣክል ሕጂ ድማ ኢትዮጵያ ክይትበታተን ኢሉ ንኩናት ቀባሕባሕ ይብል ኣሎ። ስለዚ ንሕና ውን ዝኸሰርናዮ ይኣክል ፍጹም ከይድገም ንብለሉ ግዜ ሕጂ እዩ። እዚ ማለት ድማ እዚ ሓድሽ ሓለፍነታዊ ወለዶ መንእሰይ ሃገርና ክብሪ ህዝብናን ሃገሩን ሰማእታቱ ዝኽበር ካብ ዳግማይ ክሳራ ተጠንቂቑ ሃገር ንምድሓን መሪሕ ተራ ክጻወት  በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ።  

ክብርን ሞጎስን መንነትና ዘውሓሱ ሰማእታትና

ውድቀት ንመንነትና ዝድምስስ መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ

ሰሎሞን የውሃንስ

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *